እንቋዕ ብደሓን መጸኹም ናብ www.überbrücken.ch

መሰጋገሪ ሓገዝ እንታይ እዩ?

ሓገዝ ኣብ እዋን ቁጠባዊ ስእነት

  • ኣብ ሓጺር እዋን ሓገዝ ምርካብ።
  • ንመነባብሮ ዘድሊ ምርግጋጽ።
  • ካብ ቅጽበታዊ ሽግር ምክልኻል።
  • ንውልቃዊ ኩነታት ምድልዳል።
  • ኣብ ቅልውላው ኩነታት ምእዘና ምርካብ።

መሰጋገሪ ሓገዝ ንመን እዩ?

ንስደተኛታት

  • ኣብ ብርቱዕ ቁጠባዊ ጸገምን ቅልውላውን ንዘለዉ ሰባት።
  • እንተወሓደ ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀሚሮም ኣብ በርን ንዝነብሩ ወይ ድማ መብዛሕትኡ ጊዜኦም ኣብ ከተም በርን ንዘሕልፉ ውልቀሰባት።
  • ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ B, C, F ወይ ከኣ L መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ውልቀሰባት።
  • መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ውልቀሰባት እቶም ብዘይ ወረቐት ተባሂሎም ዝጽውዑ።

መሰጋገሪ ሓገዝ ንምንታይ እዩ ዘሎ?

ከይተመዝገብካ ምኽሪ

  • ብዙሓት ሰባት ናብ ማሕበራዊ ሓገዝ ቤት ጽሕፈት ወይ ድማ ናብ ፖሊስ ወጻእተኛታት ንምኻድ ይፈርሑ እዮም። ወላኳ ቁጠባዊ ጸገም ይሃልዎም እምበር ምስ መንግስታዊያን ቤት ጽሕፈታት ኣይራኸቡን ኣዮም።  
  • ናይ መንበሪ ፍቓዶም ንኸይስእኑ ስእኣት ስለ ዘለዎም፣ ናይ ማሕበራዊ ሓገዝ ከይወሰዱ ይተርፉ።  
  • መሰጋገሪ ሓገዝ ምስ ክግበር ከሎ ንቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ሓገዝ ይኩን ንፖሊስ ወጻእተኛታት ኣይንገርን እዩ።
  • ዘይሻራዊያን ቤተክርስቲያናዊያን ቤት ጽሕፈታት ከምኡ እውን ፍሉጣት ዝኾና መሻርኽቲ ትካላትን ምኽሪ ይልግሳ እየን።

መሰጋገሪ ሓገዝ ንምንታይ ኣዩ?

ንመንበሪ፣ ንኽዳን፣ ምግቢ፣ ጥዕና

  • ክፍሊታትን ካልኦት ወጻኢታትን ይሽፈና እየን።
  • ሓደ እዋኑ ዝተደረተ ቁጠባዊ ምብራይ እንተበዝሐ ንፍርቂ ዓመት።
  • ብሓባር ውልቃዊ ኩነታት ምውጋንን ጸገም መፍትሒ ዕድላትን ምርካብ።

መሰጋገሪ ሓገዝ ኣበይ እረክብ?

ኣብዚ ሓገዝ ንእዋን ጸገም ኣሎ

  • ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ ማሕበራዊ ስራሕ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስቲያን ከባቢ በርን (Fachstelle Sozialarbeit der Katholischen Kirche Region Bern) እዩ።
  • ናይ መጀመርያ ርክብ ዝግበር ብተሌፎን ወይ ድማ ብኢ-ሜይል እዩ – ኣድራሻ ርኣዩ።
  • ዝርርብ ዝግበር ኣብ ማእከል ቤተ ክርስቲያናዊ ማሕበራዊ ኣማኸርቲ ወይ ድማ ኣብ መሻርኽቲ ትካላት ኣብ ገዛውቲ ናይ ከተማ በርን እዩ።  

ምርኻብ

ueberbruecken@kathbern.ch

ተሌፎን 031 300 33 65

ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ: ሰዓት 9–12 ን 14–17

ዓርቢ: ሰዓት 9–12

Diese Website nutzt Cookies. Durch die weitere Nutzung der Site stimmen Sie deren Verwendung zu und akzeptieren unsere Datenschutzrichtlinien.